Mezmur Hdar Tsyon 2015

ንዓመታዊ በዓል ዝዝመር መዝሙር (2015)

ማርያም ማርያም ንበል

ማርያም ማርያም ንበል በዝማሬ
እመብርሃን ንበል ይድረስ ቅኔ
ስማ ነዚመሉ ይስምዓዮ ኩሉ
ናይ ምክያስ ሃገር ንሳያ ኤፍራታ
ሃገረ ቅዱሳን ናይ ዕረፍቲ ቦታ
ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን
ማህደረ መለኮት ምልእተ ፍጡራን
ከተማ ኣምላኽና ኣደ ኣማኑኤል
ምስግንቲ ብኹሉ ብሰብ ብሱራፌል
ናይ ያእቆብ መሳልል ናይ ፍኖተ ሎዛ
ናይ ሊባኖስ ሽቶ ናይ ሮማ ማኣዛ
ርህርህተ ህልና ጓል እያቄም ጓል ሃና
ናይ ዶኬማስ ሞገስ ሃመልማለ ሲና
ህያው ዩ ኪዳና ኪዳን ጎልጎታ
ሰኣሊለነ ንበል ቁሩብ ዩ ጸሎታ
ፍቅራ ንዘልኣለም ኣብ ደምና ሰሪጹ
ኣብ ጽላት ልብና ኣሎ ተቀሪጹ
ብሂወት ተለና ዋላ ውን ተሞትና
ቋንቋና ያ ድንግል ኣህዛብ እመኑና

ናብዚ ዘብጻሓና

እግዚኣብሔር ይመስገን ኣብዚ ዘብጽሓና
እግዚኣብሔር ይመስገን ነዚ ዘርኣየና
ኣብ ምድረ በዳ ስደትና ምሕረት ሰዲዱልና
ኣጸናኒዑና ኣሳጊሩና
ኣንቀጥቀጥኩ በቲ ኣበሳይ
ቲ ሕልናይ በዓሉ ከሳሳይ
ዝጠፋእኩ ዓማጺ ሽፍታ
መሊሱኒ ክርስቶስ ጎይታ
ዋላ ሃገር እንተ ኣርሓቅኩ
ኣጽኒዑኒ ቃሉ ኣስኒቁ
ይቅረ ሰላም ፍቅሪ ዩ ቤቱ
ብመስቀሉ ጸላኢ መይቱ
ሓቂ መንገዲ ሂወት ማይ ዓይኒ
ኣጽሊሉኒ ኣብ ጉንዲ ወይኒ
ውህበት ኣምላኽ ዝምንጥለኒ
ኣይገድፍን ጸጋይ ኣለኒ
እቲ ዘምልኾ ክርስቶስ ጎይታ
ጸዊዑኒ ፍቅሪ ኣልሻዳይ
ኣይጠፋእኹን ኣብ ምድረ በዳ
ኣኽቢርካኒ ተመስገ ጐይታ
ኦ ኣምላኸይ ልበይ ኣንቂዱ
ንምስጋና ውሽጠይ ነዲዱ
ሓጥእ ባርያ ቃልካ ዘኪረ
ንዕቤትካ ኣፈይ መስከረ

መንክር ግርማ
መንክር ግርማ ሃይለ ልኡል ጸለላ (2)
ኣማን ኣማን መላእኽት ይቼልልዋ (2)



ሓጺር ታሪኽ ቅድስር ማርያም ኣብ ደብረ ቁስቋም

ሀገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ኣብጽሓና!

ሕዳር 6 (፮) በዓተ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም

ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት፣ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ሓቢሩ ካብ ስደት ኣብ ዝመለስሉ እዋን ድኅሪ ነዊሕ ኣድካዊ ጉዕዞ ደብረ ቁስቋም ካብ ዝነብሮም ድኻም (እምጻማ ፍኖት ) ዘዕረፍሉ ዕለት እዩ።

ደብረ ቁስቋም ኣብ ግብጺ ትርከብ ቦታ ኮይና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡላ ቦታ እያ። ብድሕሪኦም እዛ ቦታ ተቀዲስን ከቢራን መኅደሪ ቅዱሳን ገዳም ኮይና ስጋብ ሕጂ ብዙኅ ተኣምራት ዝግበረላ ማኅደር ቅዱሳን ኣበው መንነኮሳት እያ።

ኣብዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ዳግማይ በድኃሪ መዋዕል (ኣብ ዳሕራይ ዘመን) ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ቁስቋም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣኪብዎም፣ ታቦቱን ቤተክርቲያኑን ኣኽቢሩ፣ ናይ ቁርባን መሥዋኣቲ ሠሪዑ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ንኹሎም ወገናቱ ሂብዎም። ነዚ ከኣ ናይ እስክንድርያ ሊቃነጳጳሳት ቅዱሳን ኣቦታትና ቂርሎስን ቴዎፍሎስን ምስክር እዮም። ይብለና መጽሓፈ ስንክሳር ዘወርኃ ኅዳር 6.

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ምስ ክቡር ወዳን ምስ ቅዱሳኑን ብፍሉይ ተኣምር እናተገልጸት ንምእመናን በረከታን ረዲኤታን ትህቦም ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወበረከታ ለእግዝእእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ የሃሉ ምስሌነ ይሃሉ ለዓለመ ዓለም ኣሜን።
አርኬ
ሰላም ለአእጋሪከ ውስተ ደብረ ቂስቋም እለ ጌሣ። ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ አመ ጐየይከ ደወለ ንሒሳ ። ወአመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኃይለ አንበሳ። እንተ ሠመርከ በኅድዓት ለነፍሱ ታፍልሳ። ሰላም ሰላም ለወልደ ዮሴፍ ዮሳ።

ምንጪ ተአምረ ማርያም (ቃና ዘገሊላ)
መጽሓፈ ማርያም ስንክሳር

You are viewing the text version of this site.

To view the full version please install the Adobe Flash Player and ensure your web browser has JavaScript enabled.

Need help? check the requirements page.


Get Flash Player